ሓቢርና ነቲ ብዕዳጋ-ዚውሰን ክራይ ኣባይቲ ደው ነብሎ

ብዕዳጋ-ዚውሰን ክራይ ማለት፥ እቲ ትካል-ኣባይቲ፡ ነቲ ”ብማሕበር ምትሕግጋዝ-ታኻረይቲ” (hyresgäst­förening) ዚግበር ዝነበረ፥ ሓባራዊ ናይ ዋጋ-ዕዳጋ ዝርርብ መሰልካ ረጊጹ፥ ነቲ ንስኻ ትኸፍሎ ብዝሒ ገንዘብ፡ ባዕሉ ኪውስነልካ’ዩ ማለት’ዩ። እዚ ብዕዳጋ-ዚውሰን ክራይ ኣባይቲ፥ ኣብ ሽወደን ንኽተኣታቶ ዓቢይ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኣሎ። ”ማሕበር ምትሕግጋዝ-ታኸረይቲ” (Hyresgäst­föreningen) ነዚ ነገር’ዚ ደው ከብሎ ይደሊ ኣሎ።

ኣብዚ ጊዜ’ዚ፡ እቲ ዚኽፈል ናይ ክራይ ብዝሒ ገንዘብ፥ በቲ ኣብ መንጎ’ቶም ”ትካል-ኣባይቲን” (hyresvärden) ኣብ መንጎ እቶም ተኻረይቲን፥ ብናይ ሓባራዊ ውክልና ናይተን ”ማሕበራት ምትሕግጋዝ-ተኻረይቲ” (hyresgäst­föreningar) ዚግበር ናይ ”ዋጋ-ዕዳጋ” ክርክር’ዩ ዚፍጸም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ዚኽፈል ናይ ክራይ ብዝሒ ገንዘብ፡ ፍትሓዊ’ዩ ዚኸውን። እቲ ዚኽፈል ናይ ክራይ ገንዘብ፥ ነቶም ሓደ ዓይነት ገዛውቲ ማዕረ-ኪኸውን ኣሎዎ! እቲ ጽባቐ ናይቲ ገዛን - እቲ ዚርከበሉ ቦታን ውን ወሳኒ’ዩ። መን’ዩ እቲ ብዙሕ ገንዘብ ኪኸፍል ዚኽእል ኢልካ ግን ኪውሰን የብሉን።

እቲ ዚኸፈል ናይ ክራይ ገንዘብ፡ ብሓባራዊ ናይ ዋጋ-ዕዳጋ ክርክር ኪውሰን ከሎ፥ ንዓኻ ከም ተኻራዪ መጠን ውሕስነት ዚህብ’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ኣካራዪ ከከም ድላዩ ክራይ ገንዘብ ኪውስኽ ኣይክእልን’ዩ ማለት’ዩ። እቶም ኣብቲ ናይ ”ዋጋ-ዕዳጋ” ክርክር፡ ንዓኻ ወኪልና ደው እንብል፥ ንሕና ”ማሕበር-ምትሕግጋዝ ተኻረይቲ” (Hyresgäst­föreningen) ኢና።

እቲ (ብሶሻል-ደሞክራተርና ከምኡ ውን ሚልዮ-ፓርቲየት) ዝቖመ መንግስቲ፥ ምስ ”ሰንተር-ፓርቲየትን” ምስ ”ሰልፊ-ሊበራለርናን” ኰይኑ፥ ኣብ ኵሎም’ቶም ሓደስቲ ክራይ ኣባይቲ፥ ”ነጻ ኣወሳስና ናይ ክራይ ገንዘብ” ንኸተኣታቱ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ፡ ነቶም ሓደስቲ ዚህነጹ ናይ ክራይ ገዛውቲ፡ ብዕዳጋ-ዚውሰን ኪራይ ኪህልዎም’ዩ።   

እዚ ማለት ድማ፡ ከምቲ ንርእዮ ዘሎና ምዕባለ እንተ ዀይኑ፥ ንመጻኢ ጊዜ ኵሎም ክራይ-ኣባይቲ ብዕዳጋ-ዚውሰን ክራይ ኪህሉዎም ከም ዚኽእል’ዩ ዚእምት። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ብሓባር ንገብሮ ዝነበርና ናይ ዋጋ-ዕዳጋ ዝርርብ፥ እናጠፍአ ይኸይድ ስለ ዘሎ’ዩ። ብዕዳጋ-ዚውሰን ክራይ ምትእትታው ማለት፥ መብዛሕትኡ ሰብ፡ ዝልዓለ ናይ ክራይ ገንዘብ ከም ዚኸፍል ዚገብር ምዕባለ እዩ። ብፍላይ ኣብ ገለ ቦታታት፡ እቲ ዚኽፈል ክራይ ገንዘብ ክሳብ 50% ንላዕሊ ክብ ንኺብል ኪገብሮ’ዩ።

መብዛሕትኦም ተኻረይቲን ኣብ ምርጫ ተሳተፍቲ ሰባትን፥ ነዚ “ብዕዳጋ-ምውሳን” ኣገባብ ይቃወሙዎ እዮም። ከምኡ ኮይኑ ከሎ ውን፥ እዞም ፖለቲከኛታት’ዚኦም ከምኡ ንኺግበር ኣሚሞም ኣሎዉ።  

ንሕና እዞም ”ማሕበር ምትሕግጋዝ-ተኻረይቲ” (Hyresgäst­föreningen)፥ እዚ ነገር’ዚ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ኣጽኒዕና ክንቃለስ ኢና። ምሳና ተሓጋጊዝካ እጃምካ ክተበርክት ተስፋና ዓቢይ’ዩ!

ከመይ ጌርካ ኢኻ ነዚ ”ብዕዳጋ-ምውሳን” ክራይ ኣባይቲ ንምዕጋት እጃምካ ክተበርክት ትኽእል?

እቲ ዝበለጸ ኣገባብ፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ”ብዕዳጋ-ዚውሰን” ክራይ ኣባይቲ ዚቃወምዎ ከም ዘሎዉ፥ ነቶም ፖለቲከኛታት ምርኣዮም እዩ።

  • ኣብቲ ናይ ተቓወምቲ ስም ኣብ ምእካብ መስርሕ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። LINK

  • ነዚ ናይ ሓበሬታ ጽሑፋት ቀዲሕካ፥ ኣብቲ ትነብረሉ ከባቢ ናብ ብዙሕ ሰብ ከም ዚባጻሕ ምግባር። 
    PDF
    PDF

  • ኣብ ”ፌስ-ቡክ”፡ ኣብ ”ትዊተር” ከምኡ ውን ብ”ኢ-መይል” ከም ዚዝርጋሕ ምግባር።

  • ምስቶም ኣብ ኮሙንካ ዚርከቡ ወይ ኣብ ሃገራዊ-ባይቶ ዘሎዉ ፖለቲከኛታት ርክብ ምግባር። ኣብቲ ኣድራሻ ኢንተርነት ናይቲ ኮሙንካ፥ መነ-መን ፖለቲከኛታት ከም ዘሎዉ ኣስማቶም ኣብኡ ክትረኽቦ ኢኻ። LINK ኣብዚ መራኸቢ-ቀለቤት’ዚ ውን፡ ኣስማት ናይቶም ኣብ ሃገራዊ-ባይቶ ዘሎዉ ወከልቲ ናይቲ ትነብረሉ ቦታ ክትርእዮ ኢኻ።

ነጢፍካ ምቅላስ ኣዝዩ ኣድላዪ ነገር’ዩ። ሓቢርና ምስ እንገብሮ ድማ፡ እቲ ሓይልና ብኡ መጠን ክዓቢ’ዩ። ኣብ ሃገር ሽወደን 3 ሚልዮን ተኻረይቲ’ዮም ዘሎዉ። ሓቢርና ነዚ ”ብዕዳጋ-ዚውሰን” ክራይ ኣባይቲ ንቃለሶ!